Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ልምዓት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዕሊ 600 ሺሕ ዝግመቱ ናውቲታት ሕክምና ንክልል ጋምቤላ  ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ማእኸል ልምዓት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፥ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ዘኽእሉ ልዕሊ 600 ሺሕ ዝግመቱ ናውቲታት ሕክምና ብመልክዕ ደገፍ ንክልል ጋምቤላ ኣበርኪቱ።

እቶም ናውቲታት ሕክምና፥ ማይክሮስኮፕ፣ ስሊንደራት ኦክሰጂን፣ ዓራታትን ዝኣመሰሉን ዘካተቱ ኢዮም ተባሂሉ።

ተወካሊ እቲ ማእኸል ኣይተ ወንድወሰን ግርማይ፥ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ እጃምና ንምውፃእ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ምርግጋፅ ጥዕና ካብ ልምዓት ክቕድም ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ወንድወሰን፥ እቲ ማእኸል ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.