Fana: At a Speed of Life!

ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ማእኸል ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም።

እቲ ማእኸል ብፍልፍል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተሃነፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዘፈር ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንምዝማን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ብላይ መፍረያይነት ዓውዲ ሕርሻ ንምድንፋዕ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከበርክት ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ ዘፈራት ጥዕና፣ ትራንስፖርት፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምኡ እውን ካልኦት ዘፈራት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፥ ብደቂ ሰባት ዝስርሑ ተግባራት ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ብኽነት ገንዘብ፣ ግዘን ጉልበትን ብዝለዓለ ኩነታት ከትርፍ ዝኽእል ዓውዲ ኢዩ።

ምኽፋት እቲ ማእኸል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጅማሮ ዲጂታል ኢኮኖሚ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ከሰጋግር ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ነቲ ዘፈር ብዝምልከት ዝተዳለወ ዓውደ ምርኢት ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዑደት ገይሮም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.