Fana: At a Speed of Life!

ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

ፖምፒዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኢዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ተዛትዮም ኢዮም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እናካየደቶም ትርከብ ምምሕያሻት ብምንኣድ ኣሜሪካ ሓገዝ ከምእትገብር ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ቀፃሊ ኣንፈት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ብዝምልከት ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብዚ ሓሊፉ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ እናተገበረ ኣብ ዝርከብ ድርድር ኣሜሪካ እተን ተደራደርቲ ሃገራት ባዕለን መፍትሒ ንኸቕምጣ ጥራሕ ሓገዝ ከምትገብር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፔዮ ገሊፆም።

ማይክ ፖምፔዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ፃንሒት ዛዚሞም ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም እንትምለሱ፥ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ኣፋኒየሙዎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.