Fana: At a Speed of Life!

ሜጀር ጄኔራል ክንፈ ዳኘው ሓዊሱ ካልኦት ተኸሰስቲ መከላኸሊ መረዳእታ ንከቕርቡ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብገበን ግዕዝይና ክሲ ብምምስራት ኣብ ቤት ህንፀት ዝርከቡ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ነበር ሜጀር ጄኔራል ክንፈ ዳኘው ሓዊሱ ካልኦት ተኸሰስቲ መከላኸሊ መረዳእታ ንከቕርቡ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ ምድብ መበል ሳልሳይ መጋባእያ ጉዳያት ገበን ግዕዝይና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበሮ ውዕሎ፥ ሜጀር ጄኔራል ክንፈ ሓዊሱ ሸሞንተ ተኸሰስቲ ምስ ጠበቐኦም ቀሪቦም።

ዓቃቤ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ እቶም ተኸሰስቲ ምስክር ብምድማፅ ዝዛዘመ እንትኸውን፥ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ንሎሚ መዓልቲ መከላኸሊ መረዳእታ ንከቕርቡ ብመሰረት ዝተውሃበ ቆፀሮ እቲ መጋባእያ ከምዝተሰየመ ተገሊፁ።

ይኹን እንበር መከላኸሊ መረዳእታ ንሎሚ መዓልቲ ዘይምቕራቦም ስዒቡ እቲ መጋባእያ ካብ 24 ክሳብ 28 ጥሪ 2013 ዓ.ም መከላኸሊ መረዳእታ ንከቕርቡ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.