Fana: At a Speed of Life!

ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ መርማሪ ቦርድ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምልባዕ ቫይረስኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ብርኪ ከምዝበፅሐ መርማሪ ቦርድ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ጴጥሮስ ወልደሰንበት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፥ መናእሰይ ኣብ መሀደሲ ቦታታትን ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ዕሽሽትነት የርእዩ ኣለዉ።

ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብ እውን ምልባዕ እቲ ቫይረስ ኣብ ምክልኻል ዝገብርዎም ጥንቃቐታት ልዑል ምዝንጋዕ ዝረኣየሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ቦርድ ከምዚ ዝበለ ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ምዝንጋዕ ልዑል ዋጋ ንከየኽፍለና መንግስቲ መሰተኻኸሊ ስጉምቲታት ንክወስድ ምክረ ሓሳብ ከምዘቕረበ እቶም ኣካቢ ገሊፆም።

መንግስቲ ዝህቦም ኣስተምህሮታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጠናኺሩ ዝቕፅለሉን ሕጋዊ ስጉምቲታት ናብ ምውሳድ ዝኣትወሉን እዋን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ቦርድ ብፀብፃብ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትዕዝብቲ ብምክያድን ብዝተፈላለዩ መገዲታትን ንኣፈፃሚ ኣካል ቁፅፅር እናገበረ ከምዘሎ ድማ ኣይተ ጴጥሮስ ሓቢሮም።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምክልካልን ምቁፅፃርን ናይ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣካቢ ቦርድ፥ ብፍላይ መናእሰይ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንገዛእርእሶምን ንቤተሰቦምን ክብሉ ሜላታት ምክልኻል እቲ ቫይረስ ተግባራዊ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.