Fana: At a Speed of Life!

ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ዝወፅአ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ተግባራዊ ኮይኑ።

ሚኒስቴር ጥዕናን ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራልን ዕለተ ቀዳም ብመሰረት ዝሃብዎ ጋዜጣወዊ መግለፂ፥ ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስን ማሕበራዊ ተግባራትን ሰባት ክልከላ ዘንብርን ብገበን ዘሕትትን መምርሒ ዕላዊ ገይሮም።

እቲ መምርሒ ኣብ ልዕሊ ዘየኽብሩ ሰባት ክሳብ 3 ዓመት ዝበፅሕ እስራትን ካልኦት መቕፃዕቲታትን ከምዘቕፅዕ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ኣፍሊጡ።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ናብ ውሽጢ ዓዲ ንከይኣቱ እውን ተኣጊዱ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦ ሰብ ናብ ማሕበረሰብ ንከይሕወስ፣ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንክገብር፣ ምንኽኻእ ምግባር ብሕጊ ከምዘቕፅዕ ተገሊፁ።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ/ቦታ ማስክ ከይገበርካ ምንስቓስ ብሕጊ ዝተኸልከለ አንትኸውን፥ ትካላት ንግዲን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ማስክ ዘይገበረ ሰብ ከተኣናግዱ ከምዘይብሎም እቲ መምርሒ ይሕብር።

ኣኼባ ብዝምልከት ዘድሊ መከላኸሊ ብምጥቃም ቁፅሮም ክሳብ 50 ሰብ ምእካብ ከምዝፍቀድ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.