Fana: At a Speed of Life!

ምልክታት ከቢድ ሕማም ኩሊት

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013(ኤፍ ቢሲ)ምልክታት ከቢድ ሕማም ኩሊት እንታይ እንታይ ኢዮም?

መበገሲ ምኽንያት ሕማም ኩሊት ብዙሓት ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ምስ እዚ ጎድና ጎድኒ ድማ እቲ ሕማም ከከምዝፀንሐሉ ደረጃ ዝተፈላለዩ ብርኪታት ምልክት ከምዝለዉዎ እውን ሰብሞያታት ሕክምና የብርሁ፡፡

እዞም ካብዚ ቀፂሎም ዝተፀርሑ ምልክታት እቶም ቀንዲ ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ንሳቶም እውን፦

  • ሕፅረት ደም፣
  • ደም ዝተሓወሶ ሽንቲ ፣
  • ዝፀለመ ሽንቲ፣
  • መጠን ሽንቲ ምንካይ፣
  • ምሕባጥ ኢድ፣ እግሪን ዓካ ዓካሪቶን
  • ስምዒት ድኻም ፣
  • ድፍኢት ደም፣
  • ድቃስ ምስኣንን ኣብ ቆርበት ምሕኻኽን ኢዮም፡፡

ካብዘዚ ብተወሳኺ ምስኣን ድሌት ምግቢ፣ ኣብ ደቂ ተባዕቲዮ ብልዕቲ ዘይምልዓል፣ ኣብ እዋን ለይቲ ቶሎ ቶሎ ናብ ሽንቲ ምምልላስ፣ ሕፅረት ትንፋስ፣ ኣብ ሽንቲ ፕሮቲን ምርካብ ብቅልጡፍ ዝቀያየር ክብደት ሰውነት ሕማም ርእሲን ከምዝኾኑ ይግለፅ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ድማ ሽንቲ ዘይምዑቋም፣ እኹል ማይ ምስታይ፣ ጨው ዝበዝሖ ምግቢ ዘይምምጋብ፣ መጠን መስተ ኣልኮል ምንካይ፣ ሽጋራ ዘይምትካኽን ካልኦትን ሕማም ኩሊት ንምክልኻል ዝሕግዙ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.