Fana: At a Speed of Life!

ምልክት ሕማም ሳምቡእ ኣርኢዮም ህይወቶም ዝሓለፉ ወዲ 68 ዓመት ኢትዮጵያዊ ቫይረስ ኮሮና ከምዝነበሮምን ከምዘይነበሮምን ንምርግጋፅ ይፃረ ኣሎ – ዶ/ር ሊያ ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ምልክት ሕማም ሳምቡእ ተተሓሒዙ ሕክምና እናተገበረሎም ዝፀንሑ ወዲ 68 ዓመት ኢትዮጵያዊ ሎሚ መዓልቲ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና አፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

እቶም ውልቀ ሰብ ምስ ምልክት ሕማም ሳምቡእ ተተሓሒዙ ትማሊ ናብ ጣቢያ ጥዕና ከምዘምርሑን ሎሚ መዓልቲ ድማ ህይወቶም ከምዝሓለፈን እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን።

ምኽንያት ምሕላፍ ሕይወት ናይቶም ውልቀ ሰብ ምስ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ርክብ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋፅ ናሙና ደም ተወሲዱ ውፅት ምርመራ እናተፀበዩ ከምዝርከቡ ዶክተር ሊያ ኣገንዚበን።

ምርመራ ኣስከሬን እናተገበረ ከምዝኾነ ምግላፀን እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.