Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቻይና ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ሺ ጂንፒንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቻይና ኣፍሪካ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣፍሊጡ።

8የ ጉባኤ ሚኒሰስትራት ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ሴኔጋል ዳካር ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ምሕዝነት ቻይና – ኣፍሪካ ብንግዲ፣ ተሓዳሲ ሓይሊን ቀረብ ክታበትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም፡፡

ቻይና ኣብ ኣፍሪካ ድኽነት ንምንካይን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእሉ 10 ፕሮጀክታት ሓንፂፃ ከምትሰርሕ ኢዮም እቶም ፕሬዚዳንት ዝገለፁ፡፡

ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፥ ሃገራት ኣፍሪካን ቻይናን ልዑል ምሕዝነት ዘለወን ከምዝኾ ፕሬዚዳንት ሺ ኣብሪሆም፡፡

እተን ሃገራት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህልወን ምትሕብባር፥ ብፍላይ ኣብ ልምዓት፣ ምክልኻል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ሓምለዋይ ልምዓትን ምርግጋፅ ፍትሓዊነትን ክሰርሑዎም ኣብ ዝግብኡ ስራሕቲ መብርሂ ሂቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ሺ ኣብ መብርሂኦም፥ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪካ ቅድም ክብል ካብ ዝለገሰቶ ክታበት ኮቪድ ብተወሳኺ 1 ቢሊየን ዶዝ ከምተቕርብ ገሊፆም፡፡

ፍልፍል፦ ሲጂቲ ኤን

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.