Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ጣልያንን ንብዙሓት ዘበናት ዝፀንሐን ውፅኢታዊ ዝኾነ ምሕዝነት ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ጣሊያን ሮም ምእታዎም ይዝከር።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ሎሚ ንጉሆ ብፕሬዝዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ንዝተገበረለይ ኣቀባብላ ዕዙዝ ምስጋና የቕርብ” ኢሎም።

“ርክብ ኢትዮጵያን ጣልያንን ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና” እውን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትራትን ኣብ ሮም ጣሊያን ዑደት ሰራሕ እናገበረ ይርከብ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ተመያይጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት እዋናዊ፣ ዓለም ለኻዊን ዞባዊን ጉዳያት ከምዝተዛተዩ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

Abiy Ahmed Ali

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.