Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ማእኸል መመገቢ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ማእኸል መመገቢ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣጀሚሩ።

ኣብተቲ መጀመሪ መርሃ-ግብሪ፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ተወከልቲ ኣመራርሓታት ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክን ባንኪ ዳሽንን ተረኺቦም።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣብቲ ምሃግብሪ ኣብ ዘስመዐ መደረ፥ እቲ ማእኸል ካብ ማእኸልነቱ ሓሊፉ ኣብ ቀፃሊ ዜጋታት ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ረኺቦም ተረባሕቲ ዕድል ስራሕ ንኽኾኑ ክግበር ኢዩ ኢለን።

እቲ ማእኸል ኣብ መዓልቲ 2 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ብሓደ እዋን ኣገልግሎት ዝህብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰብ ሃፍቲን መሓዙት ኣካላትን ብምትሕብባር ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ከተማታት እቲ ምምሕዳር ማእኸል መመገቢ ተስፋ ብርሃን ንምምጋብ ትልሚ ሒዙ ነይሩ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ማእኸል፥ ምስ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክን ባንኪ ዳሽንን ብምትሕብባር ዝተኸፈተ ሳልሳይ ማእኸል መመገቢ ተስፋ ብርሃን ኣሙዲን  ኢዩ።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.