Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 49 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን 49 ሚሊየን ብር ደገፍ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከድር ጀዋር ንሚኒስትር ዴኤታ ማርታ ሊዊጅ ኣረኪቦም።

ከንቲባ ከድር፥ ኣብ ክልተ ዙር ዝተፈላለዩ ደገፋት ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ንሳልሳይ እዋን ከምዝተኻየደ ድማ ሓቢሮም።

እቲ ደጋፍ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተኣከበ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንቐፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እቲ ደገፍ፥ 30 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ፣ 19 ሚሊየን ድማ ብዓይነትን ናውቲን ዝተገበረ ደገፍ ከመዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.