Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንመኸተ ቫይረስ ኮሮና ልዕሊ ብር 8 ሚልዮን ዝግመት ሓገዝ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመኸተ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 8 ሚልዮን ዝግመት ሓገዝ ከምዝተረኸበ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኣማሓዳሪ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቶም ፋንታሁን ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ዞባ ካፍቲ ሓገዝ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ዉልቀ ሰባት እዉን ንመወሸቢ ዝዉዕሉ ህንፃታት ኣረኪቦም ኢዮም።

ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብኣርባዕተ ሸነኽ ገያሻይ ዝውሕዘላን ኣርባዕተ መዕቖቢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከበላን ዞባ ከምዝኾነት እቶም ምክትል ኣማሓዳሪ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ መዳይ መኸተ ቫይረስ ኮሮና ዝሐሸ ክትትል ከም ዘሎን ክሳብ ሐዚ ድማ ልዕሊ ሸሞንተ መወሸቢ ማእኸላት ከምዝተዳለዉን ኣብሪሆም።

ሓደጋ ጥዕና ህዝቢ ዓለም ኮይኑ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ህዝቢ ጥዕናዉን ቁጠባዉን ሓደጋ እንተየስዓበ ንምምካት፥ መንግስቲ ትግራይ ብዝገበሮ ፃዉዒት ኩሉ ትግራዋይ ብዝኸኣሎ ዓቕሙ ይሕግዝ ምህላዉ ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ኤመሓት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.