Fana: At a Speed of Life!

ምምሕዳር ጆ ባይደን ንፍልስጤም 235 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ተቛሪፁ ዝነበረ ንፍልስጤም ዝወሃበረ ሓገዝ 235 ሚሊየን ዶላር ንኽቕፅል ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

የአሁኑ ድጋፍ በ75 ሚሊየን ዶላር በዌስት ባንክ በጋዛ ሰርጥ የሚደረግ የኢኮኖሚና የልማት ድጋፍን ያካተተ መሆኑን የውጭ ጉዳይ ሚኒስትሩ አንቶኒ ብለኪንከን ተናግረዋል

ካፍቲ ናይ ሕዚ ሓገዝ፥ እቲ 75 ሚሊየን ዶላር ብዌስት ባንኪን ወሽመጥ ጋዛን ኣቢሉ ዝግበር ሓገዝ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ከምዝካተት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብትካል ዓለም ለኸ ተራድኦ ኣሜሪካ ኣቢሉ ንህንፀት ሰላም ዝውዕል 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዝግበር እንትኸውን፥ ዋሸንግተን ሓገዝ ፀፅታን ድሕንነትን ከምትገብር እውን ተሓቢሩ፡፡

ኣሜሪካ በዌስት ባንኪን ወሽመጥ ጋዛን ምስ ኮቪድ 19ን ውሕስና ምግቢን ተተሓሒዙ ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ካብ ዝገበረቶ ሓገዝ 15 ሚሊየን ዶላር ብተወሳኺ ዝግበር ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተሃቀነ ሓገዝ 2/3 ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ኤጀንሲ ስደተኛታት ፍስጥኤም ኣቢሉ ዝወሃብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ኤጀንሲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2018 ጀሚሩ ብኣሜሪካ ዝተቛረፀ ሓገዝ 360 ሚሊየን ዶላር ምኽንያት ልዑል ሕፅረት ገንዘብ ኣጋጢሙዎ ፀኒሑ ኢዩ፡፡

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.