Fana: At a Speed of Life!

ምርጫ ህወሓት ፀገም ቅድሚ ምስዓቡ መንግስቲ ጠጠው ከብሎ ይግባእ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ህወሐት ኣብ ክልል ትግራይ ከካይዶ ኢየ ዝበሎ ምርጫ ፀገም ቅድሚ ምስዓቡ መንግስቲ ፌዴራል ሕጊ ብምኽባር እቲ ተግባር ጠጠው ከብሎ ይግባእ ክብሉ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዘዘራረቦም ምሁራን ሕጊ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ ክካየድ ተባሂሉ ተሓሲቡ ዝነበረ ብሔራዊ ምርጫ ብምኽኒያት ለበዳ ኮቪድ-19 ብሕገ-መንግስቲ ትርጉም ንክናዋሕ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 3 ሰነ 2012 ዓ.ም ምውሳኑ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ክልል ትግራይ ብሕገ-መንግሥት ትርጉም ካብ ዝተወሰነ ብተቓራኒ ምርጫ ንምክያድ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ ምርጫ ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ “ብህፁፅ ጠጠው ንከብል” ብደብዳበ ምትሕስሳቡ ይፍለጥ።

እቲ ክልል  ሕገ-መንግሥታዊ  ስርዓት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባሩ ዝቕፅል እንተኾይኑ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሕገመንግስቲን ብኻልኦት ሕጊታትን ዝተውሃቦ ስልጣን ንምትግባር ከምዝግደድ ኣተሓሳሲቡ ኢዩ።

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣብ ዝፀሓፎ ምላሽ ድማ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ምርጫ ዝፀሓፎ ደብዳበ “ሕጋዊ ውፅኢት ከስዕብ ኣይኽእልን” ኢሉ ኢዩ።

ግዜኢ ዘዘራረቦም ምሁራን ሕጊ ዩንቨርስቲ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ብሕገመንግስቲ ስልጣን ዝተውሃቦ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ ብምዃኑ ህወሓት ነዚ ሕጊ ክፃረር ኣይብሉን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ መምህር ሕግን ፌደራሊዝምን ዶክተር ምስጋናው ክፈለው ከምዝበልዎ፥ ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ቅሬታ እንተሃሊዩዎ ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብምቕራብ ኢዩ ውሳነ ዝወሃቦ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቅድመ ሐዚ ዘመሓላለፎም ውሳነታትን ሐዚ ንክልል ዝለኣኾ መጠንቀቕታን ሕገ መንግስታዊ መሰረት ዘለዎ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮተቤ ሜትርፖሊታን መምህር ሕጊን ታሪክን ዶክተር ኣልማው ክፍሌ ብግደኦም፥ ብድሕሪ ምርጫ ክልል ትግራይ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ “ክትውረር ኢኻ” ብዝብል ፖለቲካዊ ቁማር ስልጣኑ ንምንዋሕን ህዝቢ ምስ መንግስቲ ንምፅላእን ዓሊሙ ኢዩ ኢሎም።

ሕወሐት ምርጫ እናበለ ፀገም ቅድሚ ምፍጣሩ መንግስቲ ፌዴራል ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባሩ ናይ ምፍፃም ግዴታ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብቲ ጉዳይ መንግስቲ ፌዴራል ጣልቃ ኣቲዩ ህዝቢ እቲ ክልል ካብ ግፍዒን ፀገምን ከድሕኖ ኣለዎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.