Fana: At a Speed of Life!

ምርጫ ብዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ ዝተውሃበ ውሳነ ሓሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጉባኤ ምፅራይ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ምርጫ ብእዋኑ ክካየድ ዘይምኽኣሉ ከምኡ’ውን ዘበን ስራሕ ኣብያተ ምኽሪን ኣፈፀምቲ ኣካላትን ኣመልኪቱ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንዝቐረበሉ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ትማሊ ምላሽ ሂቡ።

እቲ ጉባኤ ውሳነ ወይ ውሳነ ሓሳብ ቅድሚ ምሃቡ፥ ብመሰረት ዓንቀፅ 9 ኣዋጅ ቁፅሪ 798/2005 ብዓውዲ ትምህርቲ ሕገ መንግስቲ ዝተዋፈሩን ልምዲ ዘለዎምን ሰብ ሞያታት፣ ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ሕገ መንግስቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ተሳትፎ ዘለዎም ውልቀ ሰባት፣ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ትካላት፣ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን  ዝህብዎ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ብምትሕልላፍ ብብርኪ ሃገር ፈላማይ ዝኾነ ከይዲ ምድማፅ ሓሳብ ከምዘካየደ ገሊፁ።

ጎድኒ ንጉድኒ እቲ ከይዲ ምድማፅ ብፅሑፍ ዝቐረቡ ብዙሓት ሓሳባት ከምዝረኣየ እውን ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ነቲ ሓሳብ ንምጉልባት ዝሕግዙ መፅናዕቲታት ብሰብ ሞያ ቤት ዕዮ እቲ ጉባኤ ከምዝተኻየዱ ብምግላፅ፥ ነዚኦም መሰረት ብምግባር ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ዓምዩቕ ዘተ ብምክያድ ውሳነ ሓሳቡ ንቤት ምኽሪ ፈፌዴሬሽን ከምዘቕረበ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.