Fana: At a Speed of Life!

ምስ ሃይማኖት ተተሓሒዞም ዝስተውዓሉ ጎንፂታትን ዘይምርድዳኣትን ናይ ውልቀ ሰባት እምበር ሃይማኖት መሰረት የብሎምን – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ሃይማኖት ተተሓሒዞም ዝስተውዓሉ ጎንፂታትን ዘይምርድዳኣትን ናይ ውልቀ ሰባት እምበር ሃይማኖት መሰረት ዘይብሎም ምዃኖም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

“ሰላምን ሓድነትን ሕብረተሰብ ንምጥንኻር ግደ ሓበራዊ ክብሪታት ሃይማኖታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ጎንደር ዘተ የካይድ ኣሎ፡፡

ዋና ፀሓፊ እቲ ጉባኤ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ እቲ ጉባኤ እዋናዊ ፈተናታት እዛ ሃገር ንምውጋድን ናይ መፍትሒ ሓሳባት ንምልዛብ ዝተሰናደአ ከምዝኾ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝረአዩ ጎንፂታትን ዘይምስዕማዓትን ናይ ውልቀ ሰባት እምበር ሃይሞኖታዊ መሰረት ዘይብሎም ኢዮም ኢሎም።

“ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹ ወፃኢ ዝለዓሉ ፀላእትና ናይ እምነትን መንነትን ድኹም ጎኒና ምኽንያት እናገበሩ ኢዮም” ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ መበገሲ እቲ ጎንፂ ክኾኑ ዝኽእሉ ጉዳያት እተን ትካላት ሃይማኖት ኣቐዲመን ክከላኸላ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ኣማኻሪ ሚኒስትር ኣምባሳደር እሸቱ ደሴ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ሽፋን ዝገበሩ እምበር ናይ ሃይማኖት ጎንፂ ከምዘይነበረ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ተኸባቢሩን ተኣኻኺቡን ንኽነብር እተን ትካላት ሃይማኖት እናበርከተኦ ዝርከባ ግደ ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብሙሉጌታ ደሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.