Fana: At a Speed of Life!

ምስ ልቢ ዝተትሓሓዘ ፀገም ጥዕና ተቓላዓይነት ሕማም ኩላሊት ከምዘዕቢ መፅናዕቲ ኣመላኺቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍቢሲ)ምስ ልቢ ዝተትሓሓዘ ፀገም ጥዕና ብሕማም ኩላሊት ናይ ምቅላዕ እድል ከምዘዕቢ ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝተገበረ እቲ መፅናዕቲ 9 ሺሕን 47 ሰባት ዘሳተፈ እንትኸውን፥ ተሳተፍቲ እቲ መፅናዕቲ ቅድሚ ሕዚ ምስ ልቢ ዝተትሓሓዙ ፀገማት ጥዕናን ፀገም ምፍሳስ ደም ኣብ ውሽጢ ሓንጎልን ዘይነበሮም ኢዮም።

ብመሰረት እቲ ልዕሊ 17 ዓመታት ዝወሰደን ኣብዚ ሰሙን ዕላዊ ዝኾነን መፅናዕቲ፥ ምስ ልቢ ዝተትሓሓዙ ፀገማት ጥዕና  ዘለዎም ሰባት ንሕማም ኩላሊት ናይ ምቅላዕ ዕድሎም ብ10 ዕፅፊ ክብ ዝበለ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ካብ ውሽጢ ዝተሳተፉ ሰባት እቶም 2 ሺሕን 598 ሰባ ምስ ሕማም ልቢ ዝተትሓሓዙ ፀገማት ጥዕና ተቓሊዖም።

እቶም ተመራመርቲ፥ ብፀገም ደም ቡምባ ልቢ ዝተቓልዑ ሰባት ንሕማም ኩላሊት ናይምቅላዕ ዕድሎም ልዑል ምዃኑ ውፅኢት መፅናዕቶም ፍልፍል ብምግባር ሓቢሮም።

ነዙይ ዋና ምኽንያት ድማ ልቢን ኩላሊትን ምስ ዘለወን ተሓጋጋዚ ባህሪ ስራሕ ዝተትሓሓዘ ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ኣብሪሆም።

ፍለፍል፦ www.upi.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.