Fana: At a Speed of Life!

ምስ ምልሻታት ድባጤን በቂዶን ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ መተከል ወረዳታት ድባጤን በቂዶን ዝርከቡ ኣባላት ምልሻ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ከምዝደምሰሰ ኮማንድ ፖስት መተከል ኣፍሊጡ።

ተወካሊ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ ኮማንድ ፖስት ብርጋዴር ጀኔራል ዋለልኝ ታደሰ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ኣባላት ምልሻ ካብ ውልቀ ድሌት ናብ ጉጅለኣዊ ሓድነት ብምልዋጥ ኣብ ሓፂር እዋን ተለኣኣኽቲ ህወሓት ዝኾኑ ሸፋቱ ብምድምሳስን ኣፅራት ብምምራኽን ናይ ቁርፂ እዋን ውላዳት ከምዝኾኑ ብተግባር ኣረጋጊፆም።

መራሒ እቶም ኣበላት ምልሻ ዝኾኑ ብድኡከም በታሐኒ ብግደኦም፥ ኣፈፀምቲ ልኡኽቶ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ንምድምሳስን ህዝቢ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.