Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ቦርግ ብሬንደ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ መስከረም ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝካየድ ዓለም ለኸ ፎረም ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ብዝምልከት ዝግበር ዘሎ ምድላው ኣድሂቦም ልዝብ ገይሮም።

እቲ ፎረም ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ ምዕቡል ልምዲ ንምልውዋጥ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ምስ ዓለም ለኻዊ መራሕቲ ቢዝነስን ፖለቲካን ንምርኻብ ዘኽእል ልዑል ግደ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፎረም ኢኮኖሚ ይሳተፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.