Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ጀምስ ደድሪጅ ኣብ ምጥንኻር ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ናይ ሓባር ጉዳያትን ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሚኒስትር ብሪታኒያ ጉዳያት ኣፍሪካ ጀምስ ደድሪጅ ኢዮም ናብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምዎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራትን ካልኦት ሓበራ ዛዕባታትን ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይዶም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝግብር ምትሕብባርን ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ምዝታዮም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት ጥንኩር ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.