Fana: At a Speed of Life!

ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር ብቫይረስኮሮና ተለኺፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሪክ መቻር ብቫይረስኮሮና ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ።

ሓደ ኣባል ሓይሊ ዕማም ምቁፅፃር ለበዳ ኮቪድ-19 በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ምስተገለፀ፥ ሪክ መቻር ከምኦቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 13 ግንቦት 2020 መርመራ ቫይረስኮሮና ገይሮም ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ምልክታት እቲ ቫይረስ ከም ዘይብሎም ብምግላፅ፥ ን14 መዓልታት ንነብሶም ኣግሊሎም ወሺቦም ከም ዝፀንሑ ገሊፆም።

ብዝተገበረሎም ምርመራ ድማ ብቫይረስኮሮና ተለኺፎም ተረጋጊፁ ኣሎ።

ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ዝኾና በዓልቲ ቤቶም ’ውን በቲ ቫይረስ ተታሒዘን ተባሂሉ።

ብርክት ዝበሉ ሓለውቲ ሪክ መቻርን ሰራሕተኛታት’ውን ብቫይረስኮሮና ተታሒዞም ኣለው።

ኣብ ደቡብ ሱዳን 236 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሓሙ እንከለዉ፥ ኣርባዕተ ድማ ምሟቶም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝነብርሉ መዓስከር ክልተ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ምስ ተረኸቡ እቲ ቫይረስ ቐልጢፉ ክላባዕ እዩ ዝብል ስግኣቱ ገሊፁ ነይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.