Fana: At a Speed of Life!

“ምኽንያታዊ መንእሰይ ምፍጣር” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ሃገር ለኸ መድረኽ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) “ምኽንያታዊ መንእሰይ ምፍጣር” ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ሃገር ለኸ መድረኽ መፃኢ ክጅመር ኢዩ።

እቲ መድረኽ ብዝተፈላለዩ ምዕራፋት ዝተኸፋፈለ እንትኸውን፥ ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 5 ሚሊየን መናእሰይ ተሳተፍቲ ክኾኑ ኢዮም፡፡

ከም ሃገር ኣብ ዝተፈጠረ ለውጢ ግደ መናእሰይ ልዑል ከምዝነበረን ሙሉእነት ቀፃሊ ህልውና እቲ ለውጢ ምርግጋፅ ዝከኣል ምኽንያታዊ ኮይንካ ብሓሳብ ምክታዕ ዝኽእል መንእሰይ እንትፍጠር ከምዝኾነነቲ መድረኽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተውሃበ መግለፂ ተሓቢሩ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ሊግ መናእሰይ ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ፥ ኣብቲ መድረኽ ካብ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዕዱማት ዝኾኑ ኣጋይሽ ኣብቶም ዝዳለዉ መድረኻት ተረኺቦም ሓሳቦም ከምዘካፍሊ ገሊፆም፡፡

ንመናእሰይ ስፍሕ ዝበለ እዋን ብመሃብ ኣብ ቀፃሊ ንዝህነፁ መናእሰይ ተኮር ዕዉት እታወት ፖሊሲታት ዝርከቡሉ መድረኽ ንኽኸውን ኣንፈት ተቐሚጡ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መድረኽ ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ወረዳታት፣ ዞባታትን ከተማታትን ምስ መናእሰይ ብቐጥታ ርክብ ብምግባር ምኽንያታዊ መናእሰይ ኣብ ምፍጣር ዓሊሙ ከምዝካየድ ካብ ፓርቲ ብልፅና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.