Fana: At a Speed of Life!

ምዕራባውያን ሚዲያታት ንኣፍሪካ ዘለዎ ኣረኣእያ ግጉይ እዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚዲያታትን ትካላትን ምዕራባውያን ንኣፍሪካ ብምዝምልከት ዝፍንውዎም ፀብፃባት ዝተዛብዑ ብምዃኖም ንፍልፍል ሓበሬታ ከምዘይመርፁዎም ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ‘ዘ ቢግ ፎር ኣጀንዳ’ ኣብ ዝተሰመየ መድረኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለፁዎ÷ ኣፍሪካ ብትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ብኣሉታዊ ምስሊ ጥራሕ ናይ ምግላፅ ሕማቕ ዕድል ገጢሙዋ እዩ።

በብመዓልቱ ኣፍሪካ ብዝተልዓለት ቁፅሪ ሓቢሩዋ ዝግለፅ ድኹም ጎና ጥራይ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ፕሬዝዳንት÷ ኣልጀዚራ፣ ሲ ኤን ኤን፣ ስካይ ኒውስ፣ ቢቢሲን ካልኦትን ትካላት ሚዲያ ምዕራባውያን ኣብ ሩዋንዳ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ሶማሊያ ብዛዕባ ዘጋጠሙ ክስተታት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኮይኖም ከምዝፅብፅቡ ተዛሪቦም።

“ቦኮ ሃራም ዝተብሃለ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ናይጄሪያ ዘብፅሖ መጉዳእቲ ብፀብፀብቲ ዜናታት ሚዲያታት ምዕራባውያን ካብ ናይሮቢ እንትፅብፀብ ተኣማኒ ክኸውን ካብ ዘይምኽኣሉ ብተወሳኺ ነዛ ኣህጉር ግጉይ ምስሊ ይፈጥር እዩ” ኢሎም።

ኣዝዮም ውሱናት ሰብ ሞያ ሃገራት ኣፍሪካ ፍሉይ ዝገበረን ናይ ባዕለን ነገራት ከምዘለዉዎን ብምርዳእ ዝሰርሑ ምህላዎም እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም ክብል ኣገልግት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.