Fana: At a Speed of Life!

ምዝገባ ሕፁያት ንኣርባዕተ መዓልቲ ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢተዮጵያ ምዝገባ ሕፁያት ንኣርባዕተ መዓልቲ ከምዝተናወሐ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ቀዳማይ ዙር ምዝገባ ሕፁያት ዝካየደሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታት ማለት እውን

  • ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ
  • ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ
  • ብሔራዊ ክልል ኦሮሚያ
  • ብሔራዊ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ
  • ብሔራዊ ክልል ጋምቤላ
  • ብሔራዊ ክልል ሃሪሪ ንምዝገባ ሕፁያት ኣብ ዝተቐመጠሉ ገደብ እዋን መሰረት ብምግባር ካብ 8 ክሳብ 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም ከምዝካየድ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ይኹ እምበር እቲ ቦርድ ከይዲ ምዝገባ ብምግምጋም ቢሮታት ክል መረፃ ንምኽፋት ብምድንጓዮም፣ ምጉታትቱ፣ ኣብ ዝተወሰና ክልላት መረፃ መዓልቲ ብምንዋሕ ከምኡ እውን ፓርቲታት ፖለቲካ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሕፁያት ንምምዝጋብ ፀገም ስለዘጋጠመ ይናወሐልና ኢሎም ምሕታቶም ገሊፁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ቀዳማይ ዙር ምዝገባ ኣብ ዝጀመራ ክልላት/ምምሕዳር ከተማታት ዝካየድ ምዝገባ ሕፁያት ንኣርባዕተ መዓልቲ ክሳብ 25 ለካቲት 2013 ዓ.ም ከምዝተናወሐ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.