Fana: At a Speed of Life!

ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምድላዋት ኣቢያተ ትምህርቲ ዘፃሪ ኮሚቴ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትምህርት ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ትምህርቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ ድሉውነት ኣቢያተ ትምህቲ ንምርግጋፅ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ካብ ዘፈራት ምምሕዳርን ወለዲን ዝተውፃእፀአ ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ኮሚቴ ስራሕቱ ብበዓልዋናነት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝለኣኹ እታወታት ምብፀሖም ዘፃሪ፣ ካልኦት ሓገዛት ዘተሓባብር፣ ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣድላዪ እታወታት ምህላዎም ዝዕዘብ፣ እተን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝርከባሉ ኩነታት ዝምልከት ብሓፈሻ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምክያድ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምህላወን ንኽግምግም ዝተጣየሸ ኮሚቴ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

እቲ ኮሚቴ ነባራዊ ኩነታት ኣቢያተ ትምህርቲ ገምጊሙ ውሳነ እንተመሓላልፍ ትምህርቲ ዝኽፍት እንትኸውን፥ ምኽፋትን ዘይምኽፋትን ኣቢያተ ትምህርቲ ዝውሰን ኣቢያተ ትምህርቲ ተምሃሮአን ንምቕባል ዘኽእለን ምድላው እንትገብራ ኢዩ ኢሎም።

ኣብያተ ትምህርቲ ውልቀ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ፥ ኮሚቴታት ወለዲ ምድላው እቲ ቤት ትምህርቲ እንተዘየረጋጊፆምን እንተዘይኣሚኖምሉን፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ክጅምር ከምዘይኽእል ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.