Fana: At a Speed of Life!

ምድብ ድልድል ውድድር ቻን 21 መስከረም 2015 ዓ.ም ዕላዊ ክኸውን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትሳተፈሉ ምድብ ድልድል ውድድር ኮንፌዴሬሽን ኣፍሪካ ቻን 21 መስከረም 2015 ዓ.ም ዕላዊ ክኸውን ኢዩ።

ባኣሰናዳእነት ኣልጄሪያ ዝካየድ ውድድር ቻን፤ ንፈለማ እዋን ቁፅሪ ተሳተፍቲ ዝዓበየ እንትኸውን÷ ኣብ ሞንጎ 18 ሃገራዊ ጋንታታት ካብ 5 ክሳብ 27 ጥሪ 2015 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ፡፡

በቢከባቢኡ ኣብ ዝተኻየዱ መፃረዪ ውድድራት ሞሮኮ፣ ሊቢያ፣ ሴኔጋል፣ ሞሪታኒያ፣ ማሊ፣ ኒጀር፣ ጋና፣ ኣይቮሪኮስት፣ ኮንጎ፣ ዴሞከራቲክ  ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ካሜሩን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ዩጋንዳ፣ ማዳጋስካር፣ ኣንጎላን ሞዛምቢክን ናብቲ ውድድር ዝሓለፋ እንትኾና÷ ኣሰናዳኢት ናይጄሪያ ሓዊሱ ኣብቲ ውድድር ካሳተፋ ኢየን፡፡

ብመሰረት እዚ ወርሒ ጥሪ ንዝጅምር ውድድር 21 መስከረም ኣብ ርእሰ ከተማ ኣልጄሪያ ኣልጀርስ ምድብ ድልድል ከምዝወፅእ ካብ ካፍ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.