Fana: At a Speed of Life!

ሞት ህፃናት ንምቕናስ ዝስራሕ ስራሕ ትኹረት ንክወሃቦ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፥ ሞት ህፃናት ንምቕናስ ዝስራሕ ስራሕ ትኹረት ንክወሃቦ ሓቲቱ።

ምሁራን እቲ ዓውዲ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ካብ ዝውለዱ 1 ሺሕ ሒንጠያት እቶም 33 ይሞቶ ኢዮም።

እዚ ማለት ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ህፃናት ህይወቶም ይስእኑ ኢዮም ማለት ኢዩ ኢሎም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር ጌታቸው ቶሌራ፥ ኣብ ዝሓዐፉ 10 ዓማውቲ ሞት ኣዴታት ምቕናስ እንተተኽኣለ እውን ሞት ህፃናት ወሰኽ ስለ ዘርኣየ እዚ ንምቕናስ ዝስራሕ ስራሕ ትኹረት ንክወሃቦ ሓቶቶም።

ነዚ ንምፍታሕ ዘኽእል ፖሊሲ መከምዝተዳለወ ብምግላፅ፥ ሰብ ሞያ እቲ ኢንስቲትዩት ምስ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ተመራመርቲን ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝሰርሑ ሰብ መዳርግቲ ኣካላትን ዘተ ከምዝገበሩ ተዛሪቦም።

እቶም ሒንጠያት ንምኽንያት ሞት እነቶም ሒንጠያት፥ ትንፋስ ምዕፋን፣ ኢንፌክሽንን ግዜኦም እንተይበፅሐ ምውላድን ተረቋሕቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብሃብታሙ ተክለስለሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.