Fana: At a Speed of Life!

ሞት ኣዴታት ምንካይን ምጥፋእን ኩለመዳያዊ ፀገማት ምፍታሕ ማለት እዩ ክብሉ ዶክተር ደረጀ ዱጉማ ገሊፆም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመበል 16 ግዘ ኣብ ዝኽበር ብሄራዊ ወርሒ ኣዴታት “ብምኽንያት ድሕሪ ወሊድ ብሰንኪ ምፍሳስ ደም ዝፍጠር ሞት ኣዴታት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ንከላኸል“ ብዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ደሴ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ ምትራፍ ሞት ኣዴታት ሃገራውን ኩለመዳያዊ ማሕበራዊ ፀገማትን ምፍታሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ጥዕንአን ዝተሓለወ ኣዴታት ንምፍጣር ፃዕሪ ትካላት ጥዕና መንግስቲ፤ ኣመራርሓታትን ሰብሞያን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሓገዝ መሻርኽቲ ትካላትን ማሕበረሰብን ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ኣብ ዓመት ልዕሊ 11 ሺሕ ኣዴታት ብምኽንያት ወሊድን ጥንስን ከምዝሞታን እዚ ድማ ብመዓልታዊ ልዕሊ 30 ኣዴታት ንሞት ከምዝሳጥሓ በዚ ድማ ከምዝተሻቐሉ ገሊፆም።

ነዚ ሃገራዊ ፀገም ንምፍታሕ ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ ተግባራት ብልዑል ብርኪ ንምስራሕ ዓቕምና ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ኢና እውን ክብሉ እቶም ሚኒስተር ዲኤታ ገሊፆም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ጋሹ ክንዱ ብግደኦም፡- ሞት ኣዴታት ንምትራፍ ኣብቲ ክልል ካብ ጥዕና ኤክስቴንሽን ቀበሌ ጀሚሩ ክሳብ ሆስፒታላት ካብ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ ዝሓሹ ስራሕቲ እናተሰርሑ እዩ እውን ኢሎም።

ነቶም ዝነበሩ ዕውት ውፅኢታት ኣጠናኺርካ ብምቕፃል፤ ብወረራ እቲ ጉጅለ ግበረ ራዕዲ ልዑል ዕንወት ዝበጽሖም ከባቢታት ፍሉይ ትኹረት ከምዝወሃብ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.