Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዳግም ንኽረአ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዳግም ንኽፍተሸ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሓቲቱ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ረቂቕ ኣዋጅ ስርዓት ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ብዝምልከት ትማሊ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛትዩ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ መንግስታት ክልል ዘለዉዎም ስልጣንን ተግባርን ብዘይዳፋእ መልክዑ ንኽቀራረቡን ናይ ሓባር ትልሚ ሓንፂፆም ንኽንቀሳቐሱን ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሞንጎ መንግስታትን ተዛመድቲ ትካላትን ዝህሉ ኣብ መርህ ዝተደረኸ ጥንኩር ስርዓት ምትሕብባር ከምዝፈጥር እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከም ክልል ምፅረሐን ኣግባብ ከምዘይኮነ እቶም ተዛተይቲ ሓቢሮም።

ምኽንያቱ ድማ ግዳማዊ ርክብ ክልል መንግስታትን ተዋረዳዊ ርክብ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ይምልከት ኢዩ ምስ ዝብል ክፋል ናይቲ ረቂቕ ዝጓነፅ ምዃኑ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ክልልን ፌዴራልን ብማዕረ ዓይኒ ናይ ምቕራብ ሚዛኑ ግልፅነት ከምዝጎድሎ ዝገለፁ እቶም ተዛተይቲ፥ ደምቢ ዘውፅእ ኣካል ተፈልዩ ዘይምቕማጡ ድማ ምሉእነት እቲ ረቂቕ ጎደሎ ከምዝገብሮ ኣብሪሆም።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ምስተገበረ ይፅደቕ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ዘተ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ምስ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት እንትነፃፀር ኢትዮጵያ ኣብ መዳይ ምርቃቕ እቲ ሕጊ ምድንጓያ ብምሕባር ውሳነ ንኽወሃበሉ ተሓቲቱ።

“መንግስታት ብዝህብዎም ውሳነታት መድረኽ ብ3/4 ድምፂ ይፅደቕ” ኣብ ዝብል፥ ኣብ ተግባራዊነት ዘይተረኸቡ ኣባላት እቲ መድረኽ ብዝምልከት ዝተቐመጠ ሓሳብ ግልፅነት ይጎድሎ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ረቂቕ ኣገዳዲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብዝምልከት ሕቶታት ተላዒሎም ዘተ ዝተገበረሎም እንትኸውን፥ ዳግም ተራእዩ ተመሓይሹ ንኽቐርብ ከምዝተወሰነ ካብ ግዜኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.