Fana: At a Speed of Life!

ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት ልምዓት መንግስቲ ፌዴራል ሃፍቲ መንግስቲ ኣብ ውፅኢታዊ ዓውዲታት ንኽውዕል ከምዝሕግዝ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት ልምዓት መንግስቲ ፌዴራል ሃፍቲ መንግስቲ ኣብ ውፅኢታዊ ዓውዲታት ንኽውዕል ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዘካየዶ መበል 77 ስሩዕ ኣኼቡኡ ብኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ተሰናዲኡ ዝቐረሉ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት ልምዓት መንግስቲ ፌዴራል ምልኣኹ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ዝኾኑ ግልጋሎታት ናብ ሕብረተሰብ ንምብፃሕ ልዑል ሃፍቲ መዲቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ተግባራዊ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብመንፅር ትኽተሎ ኣንፈት ልምዓት ብዘፈር ውልቀ ክማልኡ ዘይኽእሉ ዓውዲታት መንግስቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ምኽንያት ብምግባር ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ይርከብ።

ይኹን እምበር እቶም ፕሮጀክታት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ዝተቐመጠሎም መርሃ ግብሪ፣ ብርኪ ፅሬትን በጀትን ብዘይምትግባሮም ኣብ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ከምፅኡዎ ኢዮም ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሎም ውፅኢት ብዝድለ ብርኪ ክዕወት ከምዘይተኽኣለ ኢዩ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዝገልፅ።

ነቶም ፀገማት ብዕምቆት ንምፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ፕጀክታት ልምዓት መንግስቲ ፌዴራል ተኸታታሊ መፅናዕቲ  ምክያዱ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፥ ኣብ ምድላው ፕጀክት ማለት እውን ካብ መፅናዕቲ ፕሮጀክት፣ ኣነራርፃን ኣወሃህባ ውሳነን ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ትግበራ ዝረኣዩ ኣመሓዳድራ ኩንትራት ፕሮጀክት፣ ምክትታል ኣፈፃፅመኦምን ዝተዛዘሙ ፕሮጀክትታትን ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ምምሕዳር ዘይምሕላው ዝበሉ ፀገማት ተፀሪሖም።

ብተወሳኺ ኣብ ፕሮጀክትታት ዘተርኣየ ምንሃር ወፃኢን ፀገም ፅሬትን መበገሲ ፀገማት ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ኣብ ምድላውን ኣተገባብራን ፕሮጀክትታት ዝተርኣዩ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ድማ ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ግዘ ክውሰዱ ዝግበኦም ምምሓያሻት ተፈሊዮም ኢዮም።

ብመንፅር ኣሰራርሓ ንዝረኣዩ ክፍተታት ተሓታቲነትን ግልፅነትን ንምፍታሕ፥ ዝተፈላለዩ መፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎም ስልጣንን ሓላፊነትን ብዝገልፅ መልክዑ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመሓዳድራን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት ልምዓት መንግስቲ ፌዴራል ክሰናዳእ ክኢሉ ኢዩ።

ፕሮጀክታት ልምዓት ውፅኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ተግባራዊ ብምግባር ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓት እታ ሃገር ንምቅልጣፍን ፕሮጀክትታት መንግስቲ ፌዴራል ዝምርሑሉ ስርዓት ኣሰራርሓ ብሕጊ ምዝርጋሕ ኣድላዪ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበን፥ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ክዳሎ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተሰናድአ ረቂቕ ኣዋጅ ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ኣካላት መንግስቲ ዘተፈለዩ እንትኾኑ፥ እዚኣቶም ድማ መፈፀምቲ ኣካላት ፕሮጀክትታት መንግስቲ ፌዴራል፣ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን፣ ሚኒስትር ገንዘብ፣ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን፣ ኤጀንሲ ዕድጊት ፌዴራል፣ኤጀንሲ መተሓባበሪ መሰረተ ልምዓት መንግስቲ ፌዴራልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራልን ምዃኖም ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.