Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምትብል ኣረጋጊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ሎሚ እውን ከምትማሊ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምትብል ኣረጋጊፃ።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሸገር ኣብ ፓርላማ ሩሲያ ሓላፊ ምትሕብባር ቤት ምኽሪ ሩሲያን ሃገራት ኣፍሪካን ምስ ዝኾኑ ኒኮላይ ኖቪችኮቭ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም፡፡

ኒኮላይ ኖቪችኮቭን ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ሩሲያ ሎሚ እውን ከምትማሊ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከምትብልን ቅዋማ ዘይልወጥ ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ብቕርበት ከምትከታተሎም ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ሃገራት ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል መልክዑ ፀገም ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣፍሪካ ክፍታሕ ምግባራ ዝነኣድ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ንምፍታሕ “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ኣምር ቀንዲ መፍትሒ ገይራ ከምትጥቀመሉ ተዛሪቦም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ኣብ ጉባኤ ኣቢያተ ምኽሪ ኣፍሪካን ሩሲያን ነኽሳተፉ ዕድመ ከምዝቐረበሎም ካብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.