Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ብብርኪ ዓለም ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ረብሓ ንክውዕል ወሲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሜር ፑቲን ብብርኪ ዓለም ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ረብሓ ንክውዕል ከምዝተወሰነ ኣፍሊጦም።

እቲ ክታበት ብኢንስቲቱዩት ጋመሌያ ሞስኮ ዝተሰናደአ እንትኸውን፥ ካብታ ሃገር ሚኒስቴር ጥዕና ሎሚ መዓልቲ መረጋገፂ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ፕሬዚዳንት ቭላድሜር ፑቲን ሃገሮም ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ክትባት ብበዝሒ ከምእተፍሪ ሓቢሮም።

እቲ ክትባት ቫይረስኮሮና ጓሎም ከምዝተጠቐመት ምግላፆም ድማ ፀብፃብ መርበብ ሓበሬታ ኢንደፔንዳትን ኣርቲን የረድእ።

እታ ጓሎም ክታበት ምስ ወሰደት መጠነኛ ሙቐት ከምዝነበራ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ድሕሪ ውሱን ፃንሒት እቲ ዝነበረ ሙቐት ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝጠፍአ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.