Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትካል ኣይሁድ እገዳ ከይተንብር ፕሬዚዳንት እስራኤል ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትካል ገባሪ ሰናይ  ኣይሁድ እገዳ ከይተንብር ፕሬዚዳንት እስራኤል ሓቲቶም።

እቲ ትካል ንምእጋድ ዝግበር ዘሎ ምድፍፋእ ደው ንክብል ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ በስልኪ ተዛቲዮም።

ሚኒስቴር ፍትሒ ሩሲያ ቅርንጫፍ ኤጀንሲ ኣይሁድ ሕጊ ጥሒሱ ኢዩ ብዝብል ብገበን ከምዝደሊዮን መንቅስቓሱ እውን ክእገድ ከምዝኽእል ገሊፁ ኢዩ።

ይኹን አንበር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ትካል ኣይሁድ እገዳ ከይተንብር ፕሬዚዳንት እስራኤል ሓቲቶም።

ፕሬዚዳንት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ መስ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዘሎ ኣድላዪ ዓውዲ ምትሕብባር ርክበን ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ድማ ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ሲጂቲኤንን ኣሸርቅ ኣል ኣውሰጥን

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.