Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ ዘማዕቢላቶ ክታበት ቫይረስኮሮና ድሕሪ 2 ወርሒ ከም ክታበት ኮይኑ ንከገልግል ፍቓድ ከም ዝተውሃቦ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሩስያ ነቲ ኣማዕቢላቶ ዘላ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ሰብ ምስ ፈተነቶ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ከም ክታበት ቫይረስኮሮና ኮይኑ ንክውዕል ብሰሉስ ፍቓድ ከም ዝተውሃቦ ገሊፃ።

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ብሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ክታበት ኩሉ ዓይነት መስርሓት ከም ዝሓለፈ ብምሕባር ጓሎም’ውን ብወለንታኣ እቲ ክታበት ከም ዝተውሃባ ምግላፆም ይዝከር።

ክኢላታት ግን ሓደ ሓድሽ ክታበት ክሓልፎ ዘለዎ መስርሓት ኣይሓለፈን ብምባል ስክፍትኦም ይገልፁ ኣለዉ።

ንምኽሮም ተኸቲለን’ውን ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ክታበት ክጠራጠራ ከምዝጀመራ ተገሊፁ።

ኣብ ጀርመን፣ ፈረንሳይ፣ ስፔይን ኣሜሪካን ዝርከቡ ተመራመርቲ’ውን ብዛዕባ እቲ ሩስያ ኣማዕቢለዮ እትብሎ ክታበት ጥንቃቐታት ክግብር ተማሕፂኖም ኣለዉ።

ሚኒስትር ጥዕና ሩስያ ሚክሃይል ሙራሽኮ ትማሊ ንማዕኸን ዜና ኢንትርፋክስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ድማ፥ “እቶም ሰባት ከምዝመስለኒ ናይ ሩስያ ተወዳዳርነት ዝተሰመዖምን ዘሕመሞምን ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ፤ እቲ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶ ከኣ ብፍፁም መበገሲ ዘይብሉ’ዩ” ኢሎም።

ብተወሳኺ እቲ ክታበት ኣብ ቀረብ ግዜ ድሉው ከም ዝኸውን ሓቢሮም።

“እቲ ቀዳማይ ጥምሮ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ዝምፅእ ክልተ ሳምንታት ክንርከቦ ኢና ንሱ ቀዳምንት ንዶኳትር እዩ ክውሃብ” ድማ ኢሎም።

ሰብ መዚ ሩስያ ህዝባዊ ክታበት ቫይረስኮሮና ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝጅምሩ’ዩም ሓቢሮም ዘለዉ።

እንተኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ እዚ “ስፑትኒክ-5” ዝተሰመየ ክታበት መስርሓቱ ንኽረአ ምስ ሰብ መዚ ሩስያ ይዘራረብ ምንባሩ’ዩ ሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.