Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ 10 ዲፕሎማት ኣሜሪካ ካብ ሃገራ ንክወፅኡ ኣዚዛ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ብሓሙስ ዘንበረትላ እገዳ ስዒቡ ሩሲያ 10 ኣመሪካውያን ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ነክወፅኡ ኣዚዛ።

ብተወሳኺ ሸምንተ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ፀሊም መዝገብ ከምዘስፈረት ተሓቢሩ።

ካብቶም ናብ ሩስያ ከይኣትው ተኣጊዶም ዘለው ሰብ መዚ ኣሜሪካ፥ ዳይሬክተር ትካል ስለያ ኣመሪካ፣ ኤፍቢኣይን ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካን ከምዝርከብዎም ድማ ተገሊፁ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓርፈፈ ምምፅኡ ይዝከር።

ዋይት ሃውስ እቲ እገዳ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ብሶላርዊንድስ ዝፍለጥ ተግባር ስርሰራ ንዩክረይን ምፍርራሕን ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ 2020 ዝተገብረ ምትእትታውን ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።

ሩስያ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ወተሃደራት ናብ ዩክረይን ክተፀግዕ እንከላ፥ መራኽብ ኲናት ኣሜሪካ ናብ ፀሊም ባሕሪ ገፀን ብምንቅስቓሰን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.