Fana: At a Speed of Life!

ሩስያ 963 ኣሜሪካውያንን 26 ካናዳውያንን ናብ ሃገራ ከየኣትዉ ኣጊዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩስያ 963 ኣሜሪካውያንን 26 ካናዳውያንን ናብ ሃገራ ከየኣትዉ ከምዝኣገደት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ከምዝሓበሮ፥ 963 ኣሜሪካውያን ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ከምዝኣገደትን እቲ እገዳ ካብ ሞንጎ ዝተነበረሎም ኣሜሪካውያን ብቐንዱ ጆ ባይደንን ወዶም ሃንተር ባይደንን ይርከቡዎም፡፡

ሰብ መዚ ኣሜሪካ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ዝተወዘዐ ኣመለኻኽታ ክሕዝን ፅልኢት ንኸሓድሮን እናሰርሑ ከምዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፥ እቲ ተግባር ዝኹነን ከምዝኾነኖ ታስ ዝተብሃለ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ፡፡

ሩሲያ ብተመሳሳሊ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ዝኣገደቶም 26 ካናዳውያን ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ማዕቐብ ንኽንበር ድምፂ ብምሃቦም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ ካናዳውያን ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ትሩዶን በዓልቲ ቤቶም ከምዝርከቡዎም ሽንዋ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.