Fana: At a Speed of Life!

ሩባ ኦሞ ብውሕጅ ብምምልኡ ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ወረዳ ዳሰነች ሩባ ኦሞ ብውሕጅ ብምምልኡ ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ።

ሩባ ኦሞ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ መፍሰሲ መስመሩ ወፂ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ካብ ምምዝባል ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክሳብ ሞት ዝበፅሕ ጉድኣት፣ ኣብ ልዕሊ ንብረትን እንስሳትን ልዑል ጉድኣት ከምዘስዐበ ይፍለጥ፡፡

ሕዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝለዓለ ትሕዝቶ ዘለዎ ማይ ብምምልኡ ኣብቲ ከባቢ ጉድኣት እናብፀሐ ይርከብ፡፡

ኣመራርሓታት እቲ ዞባ ብምዕልቕላቕ ማይ ዝተመዛበሉን ዝተጎድኡን ከባቢታት ዒደት ገይሮም፡፡

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣይተ ቀብራራው ተክሌ፥ ኣብቲ ወረዳ ልዕሊ 62 ሺሕ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ከምዘለዉን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 36 ሺሕን 92 ዜጋታት ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ሰበኽ ሳግም እቲ ከባቢ ኣብ እንስሰኦም ከም ቀንዲ ፍልፍል ሃፍቲ ዝጥቀሙ ብምዃኖም፥ እቲ ምዕልቕላ ማይ ዘንፀላለወሎም ፀገም ብቐሊሉ ዝረአ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ሰብ ሞያ ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ እቲ ዞባን ክልልን ከምዝገለፁዎ፥ ብእዋኑ ናብ ማሕበረሰብ ክብፀሐሉ ዝግባእ ስሩዕ ናይ እኽሊ ርዳእታ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ብዘይ ምብፅሑ ዝበለጠ ከምዘበኣኣሶ ገሊፆም፡፡

ዝምልከቶ ኣካል ኣቐዲሙ ስራሕቲ ጥንቃቐ ክሰርሕን መፍትሒኡ ብመፅናዕቲ ክድገፍን ኣማኻሪ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ መሰለ መስፍን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.