Fana: At a Speed of Life!

ሪክ ማቻር ምክትል ፕሬዚዳንት ሱዳን ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር መራሒ ጉጅለ ዓመፅቲ ሱዳን ንዝነበሩ ሪክ ማቻር ምክትል ፕሬዚዳንት ሱዳን ገይሮም ሾይሞምዎም።

እቶም ፕሬዚዳንት ንሪክ ማቻር ምክትል ፕሬዚዳንት ሱዳን ገይሮም ዝሾሙዎም፥ ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሓባር መንግስቲ ንምምስራት ምስምዕመዖም ስዒቡ ኢዩ።

ወናኒት ሃፍቲ ተፈጥሮ ነዳዲ ዝኾነት ደቡብ ሱዳን፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተገንፂላ ናፃ ሃገር ኮይና ከምዝተመስረተት ይዝከር።

ናፅነታ ምስ ረኸበት ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ናብ ኲናት ሕድሕድ ብምእታው ልዕሊ 400 ሺሕ ሰባት ህይወቶም ክሓልፍ ክኢሉ ኢዩ።

እቲ ሕድሕድ ኲናት፥ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ደቡብ ሱዳናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንኽስደዱ እውን ምኽንያት ምዃኑ ይፍለጥ።

መንቀሊ ናይቲ ሕድሕድ ኲናት ድማ ፕሬዚዳንት ሳልቫ ኪር ኣብቲ እዋን ምክትል ፕሪዚዳንት ንዝነበሩ ሪክ ማቻር ካብ ስልጣኖም ክለዓሉ ብምግባሮም ኢዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ጁባ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ድማ ናይ ሓባር መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ሳልቫ ኪር ንሪክ ማቻር ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ገይሮም ከምዝሾሙዎም ኣብ ቴሌቪዥን ጣቢያ እታ ሃገር ብዝተነበበ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ፍልፍል፦ ሲጂቲኤን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.