Fana: At a Speed of Life!

ትራምፕ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ዝሃቡዎ ርኢቶ ንኢትዮጵያውያን ሓደ ዝገብር ክኸውን ይግባእ – ሙሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ርኢቶ ንኢትዮጵያውያን ዝበለፀ ሓደ ዝገብርን ዝተጀመረ ግድብ ንምዝዛም ዝለዓዓሉሉ ክኸውን ከምዝግባእ ሙሁራት ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ፃንሒት ዝገበሩ እቶም ሙሁራት፥ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሉኣላዊነት ሃገር ዝተሃቀኑ መሰል ተግባራት እንተጋጥሙ ዋላ ውሽጣዊ ፀገም የሃልዎም ተደራዲሮም ኣይፈልጡን ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ሙሁር ፖለቲካል ሳይንስ ፍሬው ይርጋለም፥ ህልኽን ቂምን ዝተመልኦ ርኢቶ ትራምፕ ከም ኣሜሪካ ንዝበለት ተቖርቋሪት ሰላምን ዴሞክራሲን ዓለም ኢየ ካብ ትብል ሃገር ትፅቢት ዘይግበረሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

“እቲ ርኢቶ ላዛ ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዝረሓቖ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆምዎ።

ነበር ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኢብራሂም እድሪስ ብግደኦም፥ ርኢቶ ፕዚዳንት ትራምፕ ንዘበናት ኣብ ዘይዘሓለ ድሌትን ሕቶን ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንምፅዓን ምስ ዝፍተን ዘበናዊ ምንቅስቓስ ኣመሳሲሎምዎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ መምህር ፓለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክባትን ሱራፌል ጌታሁን ድማ፥ ዘረባ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፍልጠትን ምርዳእን ርሑቕ ምዃኖም ዘርኢ ክዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ሙሁራት ፍልፍል ካብ መስመር ዝሓለፈ ርኢቶ ትራምፕ፥ ብኢኮኖሚ ንደሓር ዝተረፍና ምዃንና ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ብመንፅር እዚ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ኣፈላላይ ሓሳብ ንደሓር ብምባል ክረባረቡ ከምዝግባእ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምዝዛም እቲ ግድብ ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ክቕድም ዝግበኦ ተግባር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ርኢቶ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ንሓድነት ኢትዮጵያውያን መድመቒ ከምዝኾነን ድኽነት ንምስዓር ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.