Fana: At a Speed of Life!

ሬድፎክስ ዝተብሃለ ማእኸል ሓበሬታ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዲጂታል ኢኮኖሚ ዘጠናኽር ሬድፎክስ ዝተብሃለ ማእኸል ሓበሬታ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ማእኸል ዕላዊ እንትግበር ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካልኝ፥ “ሓበሬታ ሓዱሽ ነዳዲ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆምዎ፡፡

ምጥንኻር መሰረተ ልምዓት ዲጂታል፥ ኣብ ጥዕና፣ ሕርሻን ካልኦት ዓውዲታትን ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሬድፎክስ ንነዋሕቲ ዓመታት ኣብ ዘፈር ቴሌኮምን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ልምዲ ብዘኻዕበቱ ዳያስፖራታት ኢትዮጵያ ዝተጣየሸ ኢዩ፡፡

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ዳያስፖራታት ኣብቲ ዓውዲ ብምውፋሮም ዘለዎም ናእዳ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.