Fana: At a Speed of Life!

ርኢቶ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ስርዓት ዘይብሉን ሓደገኛን ኢዩ – ፀለምቲ ኣሜሪካውያን ኣባላት ኮንግረስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣባላት ኮንግረስ ፀለምቲ ዝሓዘ  ጥምረት ብላክ ኮከስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ንግብፂ ወጊኖም ዝሃቡዎ ርኢቶ ኮኒኑ።

ኣባላት እቲ ጥምረት ኣብ ዘውፀኡዎ መግለፂ፥ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ኣብ ዘካይደኦ ሰለስተኣዊ ድርድር ኣሜሪካ ዘይሻራዊ ንኽትከውን ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ዝሃቡዎ ርኢቶ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ዘበኣእስ ከምዝኾነ ዝገለፀ ብላክ ኮከስ፥ ንርኢቶ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኹንኖ እውን ኣፍሊጡ።

ብላክ ኮከስ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1971 ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ መሰል ፀለምቲ ኣሜሪካውያንን ካልኦት ዝተገለሉ ክፋላት ሕብረተሰብን ንምሕላው ዝሰርሕ ሕብረት ኢዩ።

እቲ ሕብረት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካን ሴኔትን ዝኾኑ ፀለምቲ ዝርከቡዎ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.