Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣብቲ ክልል እናተሃነፁ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞ ኣብቲ ክልል እናተሃነፁ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ስራሕቲ ህንፀት መስፋሕፍሒ ህነርፃ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ኣዳሬ ሃዋሳን ስራሕቲ ህንፀት ህንፃ ሶሬሳ ጉዱማሌን ተዓዚቦም፡፡

እቶም ዑደት ዝተገበረሎም ስራሕቲ ልምዓት ኣብቲ ክልል እናተሃነፁ ዝርከቡ ብሓፈሻ ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም ፕሮጀክታት ኢዮም፡፡

ኣይተ ደስታ ሊዳሞ፥ ጉድለትን ጥንካረን እቶም ፕሮጀክታት ብምፍላይ ብፅሬትን ቅልጣፈን ንኽዛዘሙ ኣመራርሓ ንመሃብ ዝዓለመ ዑደት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ምክትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ረዳት ፕሮፌሰር ፀጋዬ ቱኬ ብግደኦም፥ ከም ሃገር ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ዛዚምካ ናብ ስራሕ ንምእታው ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ቢሮ ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.