Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል መስቀል ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ በዓል መስቀል ልመላእ ህዝቢ እቲ ክልልን ኢትዮጵያን በዓል ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ምትሕስሳብ ንኽኸውን ተመኒዮም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም÷ በዓል መስቀል ፈጣሪ ንወዲ ሰብ ዘርአዮ ፍቕሪ ዝሕሰበሉ ናይ ፍቕሪ፣ ዕርቂን ይቕሬታን በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣይ ማስረሻ በላቸው ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ “በዓል መስቀል እንትነኽብር ከባቢና ካብ ግብረ ራዕዲታትን ጥፍቻተኛታትን ብምክልኻልን ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።

ብሄራዊ ክልላዊ ምምሕዳር ሃረሪ ብግድኡ÷ በዓል መስቀል ንነዊሕ እዋን ዝተረሓሓቑ ኣባላት ስድራን ፈተውቲን ዝራኸቡሉ፣ ዝተፃልኡ ዝዕረቑሉ፣ ዝተፀገመ ዝሕገዘሉ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብምዃኑ ህዝበ ክርስቲያን ኒ በዓል እንተኽብር ክብሪታት እቲ በዓል ብምሕላውን ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ክኸውን ኣለዎ ክብል ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.