Fana: At a Speed of Life!

ርክብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ንምጥንኻር ዝዓለመ ጉባኤ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ  ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንት ንምጥንኻር ዝዓለመ ጉባኤ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ከተማ ቡሳን ተሳሊጡ።

ብኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ከምኡ እውን ማሕበር ንግዲ ኮሪያ-ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሰናደአ ጉባኤ ንግዲን ኢንቨስትመንትን÷ ኣብ ሞንጎ  ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ምትእስሳር ንግዲ ንምህናፅ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ደሴ ዳልኬ÷ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ጥንኩር ዝኾነ ታሪኻዊ ርክብ ምህላዉ ብምሕባር እቲ ርክብ ናብ ዝለዓለ ምትእስሳር ኢንቨስትመንት ክዓቢ ከምዝግበኦ ኣብሪሆም።

ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ምስ ዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ ደቡብ ኮሪያ ልዝብ ከምዝተገበሩ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.