Fana: At a Speed of Life!

ሰለስተኣዊ መድረኽ ድርድር ግድብ ህዳሰ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትማሊ ዝተጀመረ ሰለስተኣዊ መድረኽ ድርድር ግድብ ህዳሰ ሎሚ መዓልቲ እውን ይቕፅል ኣሎ።

ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዝሳተፍሉ እቲ ሰለስቲኣዊ ድርድር ብቪዲዮ ኮንፍረንስ ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ድርድር ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ተዓዘብቲን ሕብረት ኣፍሪካ ዝሓረዮም ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሰለስቲአን ሃገራት ዝገብርኡ ድርድር፥ ኢትዮጵያ ከም ቀደማ ኣብ ፍትሓዊን ምኽኒያታዊ ተረባሕነትን ዝተደረኸ ንኹሉ ወገን ዝረብሕ ድርድር ብምግባር ንምዝዛም ከምእትሰርሕ ሚኒስትር  ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ  ኣፍሊጦም።

መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብመሰረት ዘቐመጥዎ ኣንፈት፥ ኣብ ምምላእ እቲ ግድብን ካልኦት ጉዳያትን ሓፈሻዊ ስምምዕነት ክበፅሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ኣካይዳ ሰለስቲኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝተስማዕምዑ እንትኾኑ፥ እቲ ድርድር ንዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ን11 መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር 6 ሓምለ 2012 ዓ.ም ምቁራፁ ይዝከር።

መበገሲኡ ድማ ብወገን ሱዳን ዝቐረበ “ንሓደ ሰሙን ይናወሐለይ” ሕቶ መሰረት ብምግባር ሓደ ሰሙን ክድንጒ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ምክያድ ጀሚሩ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.