Fana: At a Speed of Life!

ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ 7 መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ንምስምዕማዕ ተረዳዲአን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ከምዝተረዳድኣ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣፈፃሚ ሕብረት ኣፍሪካን፥ 11 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ንሰለስቲአን ሃገራት ብመሰረት ዝፀሓፉዎ ደብዳበን ዘመሓላለፉዎ ፃውዒትን ሚኒሰትራት ጉዳያት ወፃን ጉዳያት ማይን ኢትዮጵያ፣ ግብፂን ሱዳንን 17 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብመርበብ ሓበሬታ ተሓጊዞም ኣኼባ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ ዘሳለጡዎ ኣኼባ ድማ ሰለስቲአን ሃገራት፤ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልቲታት ድርድር ብምግባር ኣብ ቀፀልቲ ኣካይዳታትን ግዘ ሰሌዳን ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ፣ ኣፈላላይ ኣብ ዘለዉዎም ጉዳያት ድማ ኣፈላላይ ብምፅብን ውፅኢቱ ድማ ኣብ ዝቕፅል ኣኼባ ንሚኒስትራት ማይን ጉዳያት ወፃኢን ንምቕራብ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ማዕቐፍ ሕብረት ኣፍሪካ እናተሳለጠ ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ሰለስተኣዊ ድርድ ክቕፅል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ከምዝዘተየ ኣፍሊጦም።

ፕዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛ ቅድም ክብል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ትቅምቲ ምስ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ብስልኪ ብዝገበሩዎ ዘተ ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕን ዘቐመጡዎ ኣንፈትን እቲ ድርድር ንኽፅል ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ቴክኒካዊ ኣኼባ ድማ ብኣካቢነት ሚኒስትር ጉዳያት ማይ ሱዳን ክካየድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.