Fana: At a Speed of Life!

ሰለስቲአን ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ ክልል ትግራይ ኣብ ውድድር ዘበነ 2014 ናይ ምስታፍ ድሌት ከምዘለወን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሰለስቲአን ጋንታታት ጋንታታት ፕሪሜር ሊግ ኣብ ውድድር ዘበነ 2014 ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ክሳተፋ ከምዝደልያ ኣፍሊጠን።

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ምስ ዝኾና ሰለስተ ጋንታታት ትግራይ ብዛዕባ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎአን ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሬዚዳን እቲ ፌዴሬሽን ኣይተኢሳይያስ ጅራ፣ ኣካቢ ኮሚቴ ማርኬቲንግ ኣይተ ኣበበ ገላጋይንዋና ፀሓፊ እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ባህሩ ጥላሁንን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣመራርሓታት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ፣ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ፣ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይን ኮሚሽን ስፖርት ክልል ትግራይን ብኣካል ተረኺቦም።

ኣመራርሓታት ጋንታ ስሑል ሽረ ብኣካል ክርከቡ ስለዘይከኣሉ ድማ ብቐጥታ ብቴሌ ኮንፈረንስ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ

እተን ጋንታታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከባሉ ነባራዊ ኩነታት ዘብርሃ እንትኾና፥ ናብ ውድድር ንምምላስ ድሌት የሃልወን እምበር ፀገም ፋይናንስ ዓቢዪ ማሕለኻ ከምዝኾነን ኣፍሊጠን።

ድሕሪ እቲ ዘተ ዝወሰደኦ ሓሳብ ብምውሳድ ነናብ ጋንተአን ተመሊሰን፤ ምስ ደገፍተንን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ብምዝርራብ ኣብ ሓፂር እዋን ናይ መወዳእታ ውሳነአን ከምዘፍልጣ ገሊፀን።

ፌዴሬሽን ኩዕፖ እግሪ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ እተን ጋንታታት ናብ ውድድር ንኽምለሳ ዝኸኣሎ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ምግላፁ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.