Fana: At a Speed of Life!

ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰላም ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብዚ ቕነ ሰላም ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጡ ይዝከር።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፈ ከምዝገለፆ፥ ክልቲኦም ህዝብታት ንክፍለ ዘበናት ዝፀንሐ ተመሳሳሊ ምትእስሳር ባህልን ታሪኽን ኣለዎም።

ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ዘሎ ምትሕርፋፍ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ፅልኢ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ነዚ ምኽኒያት ብምግባር እቲ ኮሚቴ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ዶ/ር መንግስቱ ኣረፋይነ ገሊፆም።

ከም ኣገላልፃ ዶ/ር መንግስቱ፥ ቀንዲ ዕላማ ምንቅስቓስ እቲ ኮሚቴ ኣብዛ ሃገር ዝተጀመረ ምትሕርፋፍ ካብኡ ንላዕሊ ተቐፃፂሉ ዝኸፍአ ሓደጋ እንተይፈጠረ ብሰላማዊ መገዲ ናብ ንቡር ንምምላስ እዩ።

ነቲ ዝበሃል ጎንፂ መልዓሊ ዝኾኑ ዛዕባታት ሳይንሳዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብምፅናዕ ሃገር ቦቀል ብዝኾነ ኣገባት ኣተኣላልያ ቅርሕንትታት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ዝዓለመ ተዓሊሙ የስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ነዚ እውን እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ምሁራት ክልቲኡ ክልላት ተረዳዲኦም ይሰርሑ ምህላዎም ኣብሪሆም።

ዩንቨርስታት ክልቲአን ክልላት ፀገማት ክልቲኦም ህዝብታት ንምእላይ፣ መፍትሒታት ንምምፃእን ሰላም ንክረጋገፅን ብዕቱብ ንክሰርሓ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ።

እቲ ከይዲ ምርድዳእን ዕርቀ ሰላምን ኣብ ቀፃሊ ናብ ኩለን ክልላት እናሰፍሐ ሃገራዊ ኣጀንዳ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ትካላውን ማሕበራውን ሚድያታት ኢትዮጵያ ስለ ሰላም፣ ሓቅን ህዝባዊ ውግንናን ክሰርሓ እቲ ኮሚቴ ፀዊዑ።

ኣካላት ኣመራርሓ መንግስትን ክፋላት ሕብረተሰብን ክልቲኦም ህዝብታት እውን፥ ነዚ ዝተጀመረ ከይዲ ዕርቀ ሰላም ንምዕዋት ነናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ከም ዝግባእ ተላብዩ።

ፍልፍል፦ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.