Fana: At a Speed of Life!

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከምዘይትሳተፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰሜን ኮሪያ ሎሚዘበን ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር፥ ኣትሌታታ ብኮቪድ-19 ጉድኣት ንከይበፅሖም ንምክልኻል ዓሊማ ነዚ ውሳነ ከምዝወሰነት ኢያ ገሊፃ።

ሰሜን ኮርያ ዛጊት ኣብ ሃገራ ዋላ ሓደ ሰብ ብቫይረስኮሮና ከምዘይተለኸፈ እያ ትገልፅ፤ ሰብሞያ ግና እዚ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘየለ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዶባዊ ልዝብ ክልቲአን ኮሪያታት ኣብ ዝተቛረፀሉ፥ ደቡብ ኮርያ ፀዋታታት ኦሎምፒክ ቶክዮ ምስ ሰሜን ኮርያ እትቀራረበሉ ፅቡቕ ዕድል ከምዝኾን ኣተስፍያ ኔራ።

ይኹን እንበር ውሳነ ሰሜን ኮርያ ንተስፋ ደቡብ ኮርያ ዘየዐውት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ክልቲአን ሃገራት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ውድድራት ዊንተር ኦሎምፒክ ድሕሪ ምርኻበን ናብ ታሪኻዊ ልዝባት ምምርሐን ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.